Tuesday, January 15, 2013

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ 28 ታሕሳስ ክሳብ 8 ጥሪ 2005 ዓ.ም ኣብ ኣኼባ ሃብቲ ማይን ኢነርጂን ዝሳተፉ ዘለዉ ኣኼበተኛታት፤ ነቲ ኣኼባ ኣብ ተግባር ዘይሽረፍ ኣኼባ ክብሉ ይገልፅዎ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

እዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ብፍላይ ኣብ ምኹዓት ጉድጋድ ዝስተ ማይ ኣድሂቡ፣ ናይ ሃገር ጣሊያን ዝኾነ ሃዲስኮ /ትካል መዉፅኢ ማይ/ ዝበሃል ትምህርቲ ይህብ እኳ እንተሎ፤ ነቲ ዝበሃል ዘሎ ኳዕቲ ናይ ማይ ጉድጓድ ተባሂሉ ዝተመድበ ገንዘብ ብሰበ ስልጣንን ብሰብ ሞያን ስለ ዝጠፋፋእ ዕዉት ክኸዉን እዩ ዝብል እምነት ከም ዘየለ ካብቲ ኣኼባ ዝላሓዀ ሓበሬታ የረድእ።
ብተወሳኺ እቲ ኣብ መላእ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ሕፅረት ዝስተ ፅሩይ ማይ በቲ ዝበሃል ክስራሕ እንተኾይኑ፤ ፍትሒ ክነግስን ግዕዝይና ክዉገድን ብምግባር እምበር ኣብ ኣኼባ ኣፀባብቕካ መፅናዕትታት ብምቕራብ ጥራሕ፣ ተግባራዊ ክኸዉን እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሎም፣ እቶም ኣኼብተኛታት ካብ ሓሳብ ንምርዳእ ተካኢሉ።