Tuesday, January 15, 2013

ኣብ ከተማ ኣላማጣ ከባቢ እንዳ ኪዳነምህረት ገርባ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ “ገዛና ኣይፈርስን” ዝበሉ ወገናት ብፌደራል ፖሊስ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ብ1 ጥሪ 2005 ዓ.ም ንህዝቢ ከተማ ራያ ኣላማጣ ናብ ልምዓት ዉፈር ብዝብል ተንኮል ዓዲ ሰላም ኣሎ ኢሉ ናብ ናይ ልምዓት ምስ ወፈረ፣ ብድሕሪኡ ገዛ ከፍርሱ ዝተልኣኹ ሰባት ምፍራስ ምስ ጀመሩ ኣዉያት ኮይኑ ሓያል ህዝባዊ ተቓዉሞ ከም ዝወዓለ ይዝከር። ነዚ ስዒቡ  ከዓ ብርክት ዝበሉ ወገናት ይእሰሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
 በቶም ህዝባዊ ወገናዉነት ዘይብሎም ኣገልገልቲ ህወሓት ኢህወዴግ ዝኾኑ ዑስባት ኣባላት ፖሊስ ፌደራል ሐዚ’ዉን ብዘይምቁራፅ ንፁሃት ዜጋታት ይእሰሩ ኣለው።
ካብቶም ዝተኣሰሩ ዜጋታት።-
1.ኣቶ ገብሪሂወት ፀጋይ
2. ኣቶ ሽለሺ ኣለሙ
3. ኣቶ ኣሰፋ ኣስገደ
4. ወ/ሮ ሽዋዮ ከበደ
5. ወ/ሮ ኣረጋሽ
6. ኣቶ ኣሰፋ ዳርጌ
7. ኣቶ ኣባተ ኣለሙ ምስ ወዶም ስሳይ ኣባተ
8. ሻምበል ዳርጌ
9. ኣምባቸው ሽፈራዉን ዝተብሃሉ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ጨው ተወሲዶም ከም ዝተኣሰሩን እቲ ናይ ምእሳር ወፍሪ ቀፃሊ ምዃኑ ምስ ገለ ኣባላት ፖሊስ ርክብ ዘለዎም ወገናት ኣረዲኦም።