Tuesday, January 15, 2013

ኣብ ኣባይ ግድብ ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ ብ4 ጥሪ 2005 ዓ.ም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ኣድልዎ ክሳብ ዘሎ ክድዓት ኣየቋርፅ ክብሉ ነቲ መራሒ መድረኽ ብግልፂ ከም ዘብርህሉ ተሓቢሩ።





እቲ ኣብ ኣባይ ግድብ ኣብ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ተደሪኹ መብርሂ ንምሃብ እንተይኮነስ፣ ከንብብ መደብ ዝሓዘ ኮማንደር ኪሮስ ንባቡ ምስ ወደአ ካብቶም ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ዝተዉሃቡ ግብረ መልሲ “ኣብ ሃገርና ሕገ መንግስቲ ብግቡእ ተተርጊሙ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንሃገርናን ክጠቅም ኣይረኣናን ክኸዉን እዉን ኣይንፅበን።” ክብሉ ሪኢቶኦም ከም ዝሃቡ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ምዝንጋዕ ብምግባር ነቶም ስምዒት ኣለዎም ዝበልዎም ኣባላት ፌደራል ፖሊስ እናረኸቡ ከደዓዕስዎም ከም ዝፈተኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።