Thursday, June 20, 2013

ኣብ ስሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ኣብ ዝርከብ ቤት ህንፀት ዝርከቡ እሱራት ኣድማ ከም ዘካየዱ ካብቲ ከተማ ዘብፅሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ኣብ ቤት ህንፀት  ከተማ ሽረ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ እሱራት ወገናትና፣ ብሕፅረት ምግቢ ንሳቐ ኣለና ኢሎም ብተዳጋጋሚ ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ጥርዓን እንተቕረቡ ሰማዒ ብምስኣኖም፣ ብ9 ሰነ 2005 ዓ/ ም መንግስቲ ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ምእሳርና ብጥምየት የሳቕየና ኣሎ ክብሉ ኣብቲ ውሽጢ እቲ ቤት ህንፀት ኣድማ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።
ነቲ ናይ ጥምየት ተቓዉሞ ንኽገበሩ ንእሱራት ኣላዓዒኢልኩም ዝተብሃሉ ወ/ር ወርቁ ቦጋለ ዝርከብዎም ብዙሓት እሱራት ወገናት ብትእዛዝ ኮማንደር ኣረጋይ ገብረመድህን ኣእምርኦም ክሳብ ዝስሕቱ ብበትሪ  ከም ዝቐጥቀጥዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ተገሊፁ።
እቲ ኣብ ልዕሊ  እሱራት ዝበፅሕ ዘሎ ናይ ጥምየትን ምቕጥቃጥን ግፍዕታት ኣብ ከተማ ሽረ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩለን ቤት ማእሰርትታት  እቲ ስርዓት ዘሎ ምዃኑ በቢ እዋኑ ክንገልፅ ምፅናሕና ይዝከር።