Saturday, October 11, 2014

ላዕለወት ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ሃፍቲ ሃገር እናገበቱ ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኦም የውዕልዎ ምህላዎም ተገሊፁ፣





እዞም  ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሰበስልጣን ህወሓት-ኢህወዴግ ብሃፍቲ ሃገርን ህዝብን ካብ ወፃኢ ሃገራት ዝተዓደጉ  ማሽናት ንረብሓ ወልቀ መራሕቲ ይውዕሉ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ’ቶም ኣብዚ ግዕዝይና ካብ ዝተዋፈሩ ሓደ ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ሓላፊ ቢሮ ትምህርትን ዝኾነ ጎቦዛይ ወለኣረጋይ  ምዃኑ ተገሊፁ።
        እቲ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ሓደ ዝኾነ ጎበዛይ ወለኣረጋይ ካብ ወፃኢ ሃገራት ተዓዲገን ዝመፃ ጀነሬተራትን ካልኦትን ንብረታት ናብቲ ተገልጋሊ ህዝቢ ከይበፅሓ ኣየር ብኣየር እናሸጠ መሕበጢ ጅብኡን መስርሒ ወልቃዊ ትካሉን የውዕሎ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
 ሰራሕተኛታት ናይቲ ቢሮ ተዓዛቢ ህዝብን  ፖላዊስን ነቲ በቶም በዓል ስልጣን ዝፍፀም ዘሎ ግዕዝይና ፍታሕ ክግበረሉ፤ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ዘቕርብዎ ጥርዓናት እቶም ሓለፍቲ ነንባዕሎም እናተሻረኹ ነቲ ጥርዓን  ፀማም እዝኒ ሂበሞ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣