Wednesday, December 25, 2013

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ተሕታይ ኣድያቦ ዝርከቡ ገባራት ዘፍረይዎ ምህርቲ ብፖሊስ ይሕደጉ ምህላዎም ገሊፆም።




ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ጣብያታት ዓዲ ኣሰርን ዓዲ ፀፀርን ዝርከቡ ሓረስቶት ዓመት ምሉእ ደኺሞም ዘፍረይዎ ምህርቲ እሊ፤ ኣብታ ወረዳ ዝርከቡ ፖሊስ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ሓሪስኩም ብምባል ብ10 ታሕሳስ 2006 ዓ/ም 30 ኲንታል ሰሊጥ መንጢሎም ሕጋዊ ብዘይኮነ ኣጫሪቶም ብምሻጥ ኣብ ወልቃዊ ረብሕኦም ከም ዘለዉዓልዎ ግዳያት ኣረዲኦም።
ብተመሳሳሊ እቲ ሓበሬታ ኣብ ዓዲጎሹን ከባቢኣን ዝርከቡ ሓረስቶት ባዕሎም ሓሪሶም ዘፍረይዎ እኽሎም፤ ናይቲ ከባቢ ምልሻን ፖሊስን ተሓባቢሮም ነቲ ፍርያቶም ምስ ኣሕደግዎም ኣብ ውልቀ ረብሐኦምን ከም ዘውዐልዎን ግዳያት ንፀገም  ተቓሊዖም ከም ዝርከቡ የረድእ።

 ከምኡ’ዉን ኣብ ከተማ ሸራሮ ካብ ኢድ ናብ ኣፍን ኣብ ዝኾነ ስራሕ ተዋፊረን ኣብ ዕዳጋ እኽሊ ብሸቐጥ መቐጥ ዝመሓዳራ ደቂ ኣንስትዮ ወገናት ነተን ቁንጣሮ ትሕዝተአን ብፖሊስ ከተማ ሸራሮ ተመንጢሉ ስለ ዝተወሰድን ኣብ ከቢድ ፀገም መነባብሮ ብምዉዳቐን ነዚ ፍታሕ ክግበረለን ናብ ዝምልከቶም ምምሕዳር እቲ ከተማ ከይደን ሰማዒ እዝኒ  ስኢነን መረረተን ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከባ ተገሊፁ።
   እዙ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ኣብ ከተማ ሸራሮ ዕለታዊ ጠለብ ሃለኽቲ መግብታት ካብታ ከተማ ጠቕሊሎም  ብምጥፍኡ ዘማርር ዘሎ ህዝቢ፤ ንነፍሲ ወከፍ ነባራይ ንወርሒ ሓንቲ ጓዕጓዕ ዘይቲን ሓንቲ ኪሎ ሽኮርን   ብገንዘቡ ካብ ቀበሌ ይዕደል እናተዓደለ ዝርከብ ኮይኑ፤ ከም’ኡን ብሰንኪ ሕፅረት ዝስተ ፅሩይ ማይ ነበርቲ ፅሬቱ ካብ ዘይሓለወ ጎዳጉዲ እናተጠቐመ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃልዑ ምህላዎም ተገሊፁ።