Tuesday, December 10, 2013

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ባንክታት ሰበ ስልጣንን ሰራሕተኛታትን መንግስቲ ብዝወድዎ ልቃሕ ኣብ ክሳራ ከም ዝወደቓ ምንጭታትና ከብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እቲ ክልል ሓቢሮም፣




  ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ  ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን  ህወሓት-ኢህወዴግ ሰራሕተኛ መንግስትን ካብ ዝተፈላለያ ባንክታት ብልቓሕ ዝወሰድዎ ብኣማኢት ሚልዮን ዝቑፀር ገንዘብ ብዝተዋህቦም ገደብ ግዜ መሰረት ክምልስዎ ብዘምይኽኣሎም። እተን ባንክታት ብሰንኮም ክወፀኦ ኣብ ዘይኽእላ ክሳራ  ሰለ ዝወደቓ። ካብ’ዚ ንደሓር ንዝኾነ በዓል ስልጣንን ሰራሕተኛ መንግስትን  ልቓሕ ከይህባ ክዉስና ከም ዝኸኣላ ካብ ዉሽጢ እተን ባንክታት ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ይገልፅ፣

ኣብ ምወዳእታ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ። ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ዝተለቅሕዎ ገንዘብ ንኽመልሱ ንብረቶም ንኽሕረጅ ዘገዲዶም ይኹን ከሲስካ ፍትሕዊ ዉሳነ ዝህብ ኣካል ብዘይምህላዉ። ብኣንፃሩ እቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ግና ብዝተዋሃቦ ገደብ ግዜ እዩ ዝኸፍል። እንተዘይ ከፊሉ ድማ ንብረቱ ይኹን ትካሉ ሸይጥካ ገንዘብ ናይቲ ባንኪ ኣታዊ ኣብ ምግባር ኣይፅገማን ነይረን እንተ ሕዚ ግን ሰበስልጣንን ላዕለዎት ከድረታት እቲን ስርዓት ስለ ዝኾነ’ውን እቲ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ሕብረተሰብ ዘተግበርዎ ከፈፅሙ ብዘይምኻሎም እተን ባንክታት ኣብ ዓብዪ ክሳራ ወዲቐን ከም ዘለዋ ኣፍሊጡ፣