Friday, April 18, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ናይ መበል 24 ክፍለ ሰራዊት ዝኾኑ ወተሃደራት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ብ1/ሚያዚያ/2006 ዓ/ም ኣኼባ እናካየዱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ መንጎኦም ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ነንሕድ ሕዶም ከም ዝተቓተሉ ተፈሊጡ።



ብመሰረት  ምንጭታትና እቶም ኣብ ዞባ ምዕራብ ከባቢ ከተማ ባዕኸር ካብ ዝርከባ ኣሃዱታት ኣብ ሓንቲ ናይ መካናይዝድ ኣሃዱ ኣኼባ እናተኻየደ እናሃለወ ኣብ ዝቐርብ ዝነበረ ሓሳባት ብዘይምስምምዖም ሓያል ዕግርግርን ረብሻን ከም ዝተላዓለ  ድሕሪ ምግላፅ፣  ሓደ ንግዚኡ ሽሙ ዘይተፈልጠ ተራ ወታሃደር ንሻምበል ካሳሁን ደምበላሽ ብጥይት ተኲሱ  ከም ዝቐተሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ ኣብ መንጎ ሰራዊት ወያነ-ኢህወዴግ ዘሎ ናይ ዘሎ ኣፈላላይ ዝፈጠሮ ተስፋ ምቑራፅ ዝመበገሲኡ ባዕሎም ንባዕሎም ኣብ ሓያል ምጥምማት ኣለው ዝበለ እቲ ሓበሬታ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ተራ ኣባላትን መኮነናትን ገፊሕ ጋግ ስለ ዘሎ ቀፃሊ ዝኾነ ዕግርግርን ህይወት ምሕላፍን  የጋጥም ምህላዉ  ኣረዲኡ።