Thursday, April 3, 2014

ነበርቲ ማይ ካድረ ብሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ዕለታዊ መነባብሮኦም ክመርሑ ብዘይምኽኣሎም መረረቶም የስምዑ ምህላዎም ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ሓቢሩ።



እቶም ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይ ካድራ ዝርከቡ ነበርቲ ንዘለዎም ሕፅረት መሰረት ልምዓት መንግስቲ ፍታሕ ንኽገብረሎም ንዓመታት ተፀብዮም ውፅኢት ክረኽብሉ ከም ዘይከኣሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ንቀንዲ ፀገም እታ ከተማ ዝኾነ ፅሩይ ዝስተ ማይ ህዝቢ ባዕሉ ተላዓዒሉ  ከቃልል ብምሕሳብ ስድርኡ ደፊኑ ዘዋፅኦ ገንዘብ እንተኾነ’ውን ብኣማሓደርቲ ናይ’ታ ከተማ ከም ዝተጠፋፈአ ተገሊፁ።

       እቲ ሓበሬታ ኣሲዒቡ   እቶም ነበርቲ  ፅሬቱ ንዘይሓለወ ጀሪካን ማይ ብ6 ቅርሺ እናገዝኡ ይሰትዩ ብምህላዎም፣ ከም ሰዓቤኑ ብዙሓት ህፃውንቲ   ዝርከብዎም ነበርቲ እታ ከተማ  ብማይ  ወለድ ሕማም ተጠቒኦም ግዳይ ሕማም  ብምዃኖም መላእ ሕብረትሰብ እታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢህወዴግ መረረቱ ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከብ ካብቶም ብዓውታ መረረት ህዝቢ ካብ ዘስምዑ ዜጋታት ኣይተ ፍስሃ ወልደስላሰን  ኣይተ ጋይምን ዝበሃሉ ከምዝርከብዎም ንምፍላጥ ተካኢሉ።