Thursday, April 3, 2014

ኣብ ከተማ ሑመራ ሰርሖም መነባብርኦም ንምምራሕ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝኸዱ ወገናት ኣብ ዓርሶምን ንብረቶምን በደል ይፍፀሞም ከም ዘሎ ተሓቢሩ።



እቶም ካብ ወረዳ መደባይ ዛና ጣብያ ነፋሲት ዘለዎም ፀገም መነባብሮ ሰርሖም ንምፍታሕ ናብ ከተማ ሑመራ ዝኸዱ ወገናት፣ ብጉልበቶምን ሒዘሞም ብፅዕነት ኣግማልን እናተሓገዙ ካብ ሕርሻ መሬት ቃንጫ መሸላ እናፀዓኑ ዕለታዊ ይሰርሑ እኳ እንተነበሩ፣ ከም ልሙድ ብ10 መጋቢት 2006 ዓ.ም ካብ ከተማ ሑመራ ወፂኦም ናብ ሕርሻ ክወፍሩ ጉምሩክ ሑመራ ኮንትሮባንድ መመላለስቲ እኹም ብዝብል መፀልምታ ኣግማሎም መንዚዑ ብምዉሳድ ኣጫሪቱ ከም ዝሸጦም ንግዳያት መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ኣብ ሰለማዊ ስራሕ እናሃለዉ ብሽም ኮንትሮባንድ ኣግማሎም ተመንዚዖም ዝተወሰድዎም ሰባት፣

1.  ተኸስተ ገብረ ሓደ ገመል
2.  ኣፈወርቂ ኣስመላሽ ክልተ ኣግማል
3.  ገ/ኣብሄር ሓጎስ ሓደ ገመል ተወሲዶም በቲ ስርዓት ዝተጫረትዎም’ዮም፣

ኣብ ሓለዋ ግምሩክ ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣባላት ፀጥታ ብምኽንያት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም ካብ ዝተሸጡ ንብረታት ኣታዊ ስለ ዝረኽቡ፣ በቲ ከባቢ ብተሽከርከርትን ኣግማልን ንዝንቀሳቐሱ ንፁሃት ሰባት ብዘይ ወዓልዎ ገበነኛታት ኣምሲሎም ብምፅላም፣ ንብረታት ብምምንዛዕን ግቦ ብምቕባልን ዘይግብኦም ኣታዊ ኣብ ምኽዕባት ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ካብ’ቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።