Thursday, April 3, 2014

ስርዓት ጉጅለ ኢህወዴግ ብሽም ዓቃቢ ሰላም ናብ ዳርፎር ንዝኸዱ ወተሃደራት ኣብ ዝግበር ምልመላ ብግበረለይ ክገብረልካ ብምዃኑ ኣብ ዉሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ምግምማዕ ፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



ኣብ ሰሜን እዝ ኣብ መበል 33 ክፍለ ስራዊት ብ10 ለካቲት 2006 ዓ/ም ናብ ዳርፎር  ብሽም ዓቃቢ ሰላም ንዝላኹ ወተሃደራት ኣብ ዝተኻየደ ምልመላ መብዛሕትኦም ሓደሽቲ ኮይኖም፣ ብቤተሰባዉን፤ ከባቢያዊ፤ ብላዕ ብምሃብን ዝተመልመሉ ከም ዝኾኑ ካብ ዉሽጢ እቲ ምክልኻል ዝበፀሓና ሓበሬታ አረዲኡ።

እቶም ሓደሽቲ ወተሃደራት ቅድሚ እቲ ነባር ናብ ዓቃቢ ሰላም ክምልመሉ ዘፍቅድ መስርሕ ዘየለ እኳ እንተኾነ፣ ኣዘዝቲ እታ ክፍለ ሰራዊት ነቶም ክምልመሉ ዘይደለይዎም ነባራት ዝተፈላለየ ሽግራት ከምዘለዎም ኣምሲሎም ብምግላል ኣብ ክንድኦም ምንም ተመኩሮ ዘይብሎም ሓደሽቲ  ምምልማሎም ክምልምሉ ኣዘዝቲ እቲ ክፍለ ሰራዊት ንግዕዙይ ተግባሮም ክሸፋፍንዎ ይፍትኑ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብተወሳኺ እቶም ኣግባብነት ብዘይብሉ ኣሰራርሓ ዓቃቢ ሰላም ተባህሎም ዝላኣኹ ወተሃደራት ካብቲ ዝረኽብዎ ኣታዊ ገንዘብ ነቶም መልሚሎም ዝለኣኽዎም ሓለፍቶም ክመቕልዎም ተስማዕሚዖም ከም ዝፍፅምዎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቶም ካብ 1991 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ምክልኻል ተቖፂሮም ክምልመሉ ዘይከኣሉ ኣብ ዓብዪ ስምዒት ኣትዮም ምስ’ቶም ብዘይ ኣግባብ ዝተመልመሉ ኣብ ከቢድ ምትፍናን ከም ዝርከቡ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ግምባር ሸራሮ ዝርከቡ ስራዊት ምክልኻል ፀገም ዲስፕሊን ኣለኩም ተባሂሎም ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ዝተባረሩ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ መጓዓዝያ ስለ ዘፋነዉዎም፣ ኣብ ከተማ ሸራሮ መደቀሲ ዓራት ስኢኖም ኣብ ፈቐዶ ጎደናን መናሃርያን ተደብርዮም ነታ ከተማ ዓቕላ ኣፅቢቦሙላ ከም ዘለዉ ከብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።