Friday, August 22, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ኣለፋ ዘለዉ ሓረስቶት በቲ ስርዓት ወርሓዊ መቆፃፃሪ ተባሂሉ ንዝወረደ መምርሒ ኣብ ምቅዋም ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ።



ሰበ ስልጣን ስርዓት ኢህወዴግ ዕድመ ስለጣኖም ንምንዋሕ ብዝጥዕም ወርሓዊ መቆፃፃሪ ኣዉፂኦም ብሽም ልምዓት ጉጅለን ኣወዳድባ ህዋስ ጉጅለን ብዝብል ንሓረስቶት እታ ወረዳ ሓደ ንሓሙሽተ ወዲቦም ንኽትግበር ዘዉረድዎ መምርሒ ተግባራዊ ንኽግበሩ ዝተመደቡ ክኢላታት ብህዝቢ ተቐባልነት ብዘይምርካቦም ኣብ ኣፈፃፅምኡ ተፀጊሞም ከም ዘለዉ ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊፆም።

   ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ነባሪ ህዝቢ ወረዳ ኣለፍ ካብ ክልል ኣትሒዞም ክሳብ ወረዳን ጣብያን ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ዝኽተልዎ ኣሰራርሓ ንባዕሎም እምበር ንመነባብሮ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ብዘይምዃኑ ልምዓት ጉጅለን ኣወዳድባ ህዋስ ጉጅለን እናበሉ ኣብ እዋን ኣዝመራ  ኣብ ኣኼባ  ፀሚዶምና  ይውዕሉ ኣለዉ ብምባል መረርቶም ይገልፁ ምህላዎም ተፈሊጡ።