Friday, August 22, 2014

ኣብ ኢትዮጵያ ን15 ተኸታተልቲ መዓልታት ሃገር ለኸ ናይ ዩኒቨርሲቲ ተምሃሮ ኣባላት ኢህወዴግ ኢኩም ብዝብል ናይ ኣስገዳድ ኣኼባ ክካየድ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ብደረጃ ሃገር ካብ ኣስታት 350 ሽሕ ናይ ዩነቨርሲቲ ተምሃሮ እቶም 240 ሽሕ ኣብ 23 ዩኒቨርሲቲታት ካብ ነሓሰ 10/ 2006 ዓ/ም ጀሚሮም ኣብ ቀረብኦም ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ክርከቡ ከም ዘለዎም ትእዛዝ ከም ዝወረዶም ተገሊፁ።

    እዚ ብህፁፅ ክርከቡ ዝወረደ መደብ ኣብ ናይ ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓትን መሪሕ ሰናይ ምምሕዳርን ዘይተረኽበ ተምሃራይ ናብ ስሩዕ ትምህርቲ ክኣቱ ከም ዘይኽእል ዘመላኽት እንትኸውን፣ ካብዚ ተበጊሱ እቶም ተማሃሮ ከይፈተና ተገዲድና ኣባል ኢህወዴግ ክንከውን ምግባሮም ኣግባብነት የብሉን ብምባል ቅሬትኦም ይገልፁ ከም ዘለው ተሓቢሩ።

   እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ብ15 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣራት ኪሎን ስድስት ኪሎን ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ክልላት ክጅመር ተባሂሉ ዝነበረ ኣኼባ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ን15 ነሓሰ 2006 ዓ/ም እንትናዋሕ እቲ ካሊእ ዙር ድማ ካብ 30 ነሓሰ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ከም ዝቕፅል እቲ ሓበሬታ የረድእ።