Monday, September 16, 2013

ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ካብ ከባቢ ገጠር ዝመፀ ተማሃሮ ተመዝጊቦም ከይማሃሩ ዝእግድ መምርሒ ናብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዘወረዱ ተፈሊጡ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ሸራሮ ዝርከባ ሓደ 2 ብርኪ ዝርከበን ኣብያተ ትምህርቲ፤ ካብ ገጠር ንዝመፁ ተማሃሮ ኣመዝጊበን ከየምህራ ዝብል፤ ካብ ኣማሓደርቲ እታ ወረዳ ዝወረደ መምርሒ፤ ህዝቢ  ሸራሮ  ድማ ነቲ ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ንኣድልዎምን ምፍላላይን ዝዕድም እዩ ክብል ብትሪ  ከም ዝተቛዎሞ ምንጭታትና ካብታ ከተማ  ገሊፆም።
     እቶም ካብ ገጠር  ናብ ከተማ  ሸራሮ  ክምዝገቡ  ዝኣትው ዘለዉ  ተመሃሮን ወለዶምን ብግድኦም፣ ኣብ ከባቢኦም ኣብያተ ትምህርቲ ስለ ዘየለዋ መማረፂ ምስ ሰኣኑ ተገዲዶም ዝኣትዎ ዘለዉ ምዃኖም ድሕሪ ምግላፅ፤ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ንኸምስል እቲ በቶም ኣማሓደርቲ  ዝተወስደ ስጉምቲ ግን ጉጉይን መናእሰይ ደንቂሮም ክነብሩ ዘተባባዕ ኣሰራራሓ ብምዃኑ፤ ነቲ ተግባር ብምኹናን ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣትን ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
      ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ፤ እቲ ካብ ገጠር እናተመመላለሱ ከይመሃሩ ዝኽልክል መምርሒ ዝተወሃበሉ ቀንዲ ምኽንያት፤ ኣማሓደርቲ ተማሃሮ ኣብ ከተማ ዉዕሎም ዘሎ ሓበሬታ ሒዞም ናብ ተጋደልቲ ዴ.ም.ህ.ት ከየብፅሑን ኩነታት ዴምህት ኣብ ምፍላጥ ከይነጥፉን ብምስጋእ ነቲ ዓቕሊ ፅበት ዝወለዶ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝተገደዱን እቲ ኣብ መስኮት ቴሌቪዥንን ኣብ ሬድዮን ኹሎም ህፃውንቲ ንትምህርቲ ክምዝገቡ ከምዘለዎም  ዘፋልጥዎ ህዝቢ ብምድንጋር ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ጥራሕ ምዃኑ እቲ ካብ ከተማ ሸራሮ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣረዲኡ።