Friday, October 10, 2014

ብሽም ዓቃቢ ሰላም ናብ ዝተፋላለየ ሃገራት ዝልኣኹ ወተሃደራት ኢህወደግ ናብ ኢዶም ዝውሃቦ መሃያ ካብ 35% ክሳብ 40% እንትኾን እቲ ዝተረፈ ድማ ጀነራላት ከም ዝበልዕዎ ተገሊፁ፣





ኣብ’ቲ ኣብ  ምሉእ ሰራዊት ምክልኻል ኢህወደግ ብተኻታታሊ ይካየድ ዘሎ ገምጋም ይልዓሉ ካብ ዘለዉ ሕቶታት እቲ ስርዓት ንዓቃቢ ሰላም ዝልእኾም ሰራዊት ብቐዳምነት ነቲ ሰራዊት እዩ ዝጠቕሞ እናተብሃለ ብምትላል ዝልኣኹ ወተሃደራት ካብቲ ዓቃቢ ሰላም ተባሂሎም ብሽሞም ዝወፅእ ደሞወዝ እቲ ካብ 35 ክሳብ 40 ሚኢታዊት ጥራሕ ናብ ኢዶም ከም ዝኽፈሎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ እቲ ዝተረፈ ገንዘብ ግን ተቖሪፁ ናብ’ቲ ምክልኻል ክኣቱ ብምግባር ብዘይ ዝኾነ ቁፅፅር ላዕለዎት ጄነራላት ይህፍትምሉን ናብርኦም የጣጥሕሉን ኣብ ዘለዉሉ ግዜ፤ ትርፊ ናይ’ቲ ዝለኣኽ ሰራዊት ግን ጭንቅን መከራን እምበር ረብሓ ከም ዘየብሉ ተፈሊጡ፣

ወስኺ እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ኣብ ዉሽጢ ምክልኻል ሰራዊት ብዘሎ ሚዛናዉነት ዝጎደሎ ኣሰራርሓ እቲ ወታሃደር ሓደ ተጠቃማይ ሓደ ተዓዛባይ ይኸውን ስለ ዘሎ፤ እዛ ሃገር ናብ ሓደጋ ትወድቕ ኣላ ዝብሉ ሓሳባት እናተላዕሉ፤ እቲ ሓደ ነቓፊ እቲ ካልእ ድማ ተኻላኻሊ ብምዃን እቲ ኣኼባ ይቕፅል ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣