ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቶም ኣብ ከተማ
መቐለ ዝርከቡ ነጋዶ ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነ ግብሪ ክኸፍሉ በቲ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ይግደድሉ ዘለውሉ ቀንዲ ምኽንያት፤ በቲ
ዘይርትዓዊ ግብሪ ተሸማቒቖም ካብ ኣባልነት ተቓወምቲ ዉድባት ንኽወፁ ዝዓለመ ምዃኑ ነቶም ግድያት መሰረት ብምግባር ኣፍሊጦም፣
እቶም ነጋዶ እዚ ትሓቱና ዘለኹም ግብሪ ልዕሊ
ዓቕምና እዩ ዝምጥነና ኣይኮነን ብምባል፤ ይምልከቶም ናብ ዝበልዎም መሓዉር ናይ’ቲ ስርዓት ዝኾኑ ኣካላት ጥርዓን ሰማዕቲ ፀገሞም ዋላ እኳ እንተቕረቡ፤ ኣይበዝሓኩምን
ዝተሓተትኩም ክትከፍሉ ግዴታኹም እዩ ክብሉ ፍትሓዉነት ዝጎደሎ መልሲ ከም ዝሃብዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ፣