ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ
ሸራሮን ከባቢኡን ዝርከቡ ተምሃሮ ነቲ ዘለዎም ናይ ቑጠባ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ምንፃፍ እምኒ ኮብልስቶን
ተዋፊሮም ንኽሰርሑ ተባሂሉ፤ ካብ ኩለን ጣብያታት ዝተውፃፅኡ ተምሃሮ ምልመላ ምክያዱ ድሕሪ ምጥቃስ፤ እንተኾነ እቶም ኣማሓደርቲ
ንዝሓለፉ ገዲፎም ንቤተሰቦምን ብላዕ ንዝሃብዎም ሰባትን ጥራሕ ናብቲ ስራሕ የእትውዎም ምህላዎም ተፈሊጡ፣
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እዞም ካብ ዝተፈላልዩ ጣብያታት ተወዳዲሮም
ኣብ ስራሕ ምንፃፍ እምኒ ንኽሰርሑ ዝተኣኻኸቡ ተምሃሮ፤ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዉድድር ፈተና እቶም ኣማሓደርቲ ኣኪቦም ስራሕ የለን ነናብ ጣብያኹም ኪዱ ስለ ዝተብሃሉ፤ እቶም
መንእስያትን ሕብረተሰብን ኣብ ልዕሊ ግዕዙያት ኣማሓደርቲ መረረቱ ኣብ ምስማዕ ከም ዘለው ተገሊፁ፣