Tuesday, October 7, 2014

ነበርቲ ከተማ ሑመራ ንመስርሒ ኣስፓልት ተባሂሉ ዘዋፅእዎ ገንዘብ ብኣምሓደርቲ ስለ ዝተበልዐ ነባሪ ህዝቢ መረረቱ ይገልፅ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ሑመራ ካብ ህዝቢ ብዝተዋፅአ ገንዘብ ተሰሪሑ ዝተብሃለ ናይ ጎደና ኣስፓልት ገና 2 ወርሒ ከየገልገለ እናተቐለጠ ኣብ ምብልሻው ዝርከብ ዘሎ ካድረታት እቲ ስርዓት ነቲ ገንዘብ ህዝቢ ስለ ዝበልዕዎ እቲ ኣስፓልት ደረጅኡን ፅሬቱን ዘይሓለወ ሰሪሕና ንምበሊ ዝገብርዎ ብምዃኑ ህዝቢ ነቶም ኣመሓደርቲ ገንዘብና ወገሐ ፀበሐ መሕበጢ ዉልቃዊ ጅባኹም ተዉዕልዎ ኣለኹም ኢሉ ይኸሶም ዋላ እኳ እንተሃለወ ዝሓቶም ኣካል ከም ዘይተረኸበ ኣፍሊጦም።

ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ወነንቲ ንግዲ ትካላት ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ክፈሉ እናተበሃሉ ይንገላትዑ ኣብ ዘለዉሉ ሰበ ስልጣን ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ግን ኣብ መረፃ 2007 ዓ/ም ህዝቢ ምእንቲ ክመርፆም ዘይትግበር መብፅዓታት እናኣትዉ ከታልሉ ዝከኣሎም ኩሉ ይገብሩ እኳ እንተለዉ በቲ ህዝቢ ግን ተቐባልነት ከም ዘይረኸቡ ኣረዲኡ።