Monday, November 3, 2014

ኣመሓደርቲ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ንሩባ መረብ ወሪድኩም እናበሉ ሰባት ኣብ ምጭዋይ ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ፣




ከም ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ሃገራይን ከባቢኣን ነበርቲ ዝኾኑ ወገናት። ማሕበራዊ ህይወቶም ንምምራሕ ክብሉ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ እዋን ካድረታት ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ድማ። ንስኹም ገዛኹም ገዲፍኩም ናብ ከባቢ መረብ ትኸዱ ዘለኹም ኣንፃርና ምስ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ውድባት ንምርኻብ ኢኹም እናበሉ ጨዉዮም ይወስድዎም ምህላዎም ተገሊፁ፣
እቲ ሓበሬታ ወስኹ ከም ዘረድኦ። እዚ ከምዚ ዓይነት ፀረ ህዝቢ ተግባራት ኣብ’ቲ ዞባ ብሰፊሑ ይስራሓሉ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ። ብሰንኩ ሓደ ብርሃነመስቀል ሳህለ ዝተባህለ ነባሪ ዓዲ ሃገራይ ዝርከቦም ወገናት ብ14 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ወዲ ቢተዉ ብዝብሃል ፖሊስ ተጨዉዮም ከም ዝተወሰዱ ኣፍሊጡ፣
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ድማ ኣብ ወረዳ መደባይ ዛና ዝነበሩ መናእሰይ ንሩባ መረብ ከይድኩም ብዝብል ምኽንያት። ኣብ ከተማ ሰለኽለኻ ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ዜና እወጃና ገሊፅና ምንባርና ይዝከር፣