ከም ኣገላልፃ ምንጭታትና። ብ12 ጥቅምቲ
2007 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ኣየነዉ በየነ ዝተብሃለ ኣባል ዓረና ምዃኑ ሕጋዊ ወረቐት ዘለዎ
ውልቀ ሰብ። ኣብ’ታ ከተማ ናይ’ቲ ዉድብ ወረቓቕቲ ብኣግባብ ይዝርግሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን። ብልኡዃት ካድረታት
ህወሓት-ኢህወዴግ ተታሒዙ ከም ዝተኣስረ ተፈሊጡ፣
ገዛእቲ ጉጅለ ኢህወደግ ኣብዚ ዓመት
እዚ ንዘካይዶ መረፃ ህዝቢ ንተቓወምቲ ከይመርፅ ኣብ ሻቕሎት ብምዉዳቖም። ነቶም ዘስግእዎም ተቓወምቲ ካብ ህዝቢ ንምንፃል።
ብዘይ ወዓልዎ ገበን እናኸሰሱ ኣብ ምእሳርን ካልኦት ሕሱር ተግባራትን ተዋፊሮም ምህላዎም ካብ’ቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ፣
ብተወሳኺ እዚ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግ ንመበል ሓምሻይ ግዜ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ
ምስሉይ መረፃ 2007 ዓ/ም ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንኢህወዴግ ካብ ስልጣኑ ክናልዮ ኢና ናይ ዝብሉ ናይ ፖለቲካ ውድባት
ተወዳዳርነት ብኣግኡ ዘልመሰ ምኳኑ ብሕዚኡ ኣብ ህዝቢ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣