Tuesday, March 17, 2015

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝተሰርሐ ኮብልስቶን ብሰንኪ ፅሬት ዝጎደሎ ኣሰራርሓ ይባላሾ ብምህላዉ ኣስታት 2000 ዝኸውን ህዝቢ እታ ከተማ ተቓዉምኡ ብሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝገለፀ ተፈሊጡ፣



ብመሰረት ዝበፀሐና ሓበሬታ። ኣብ ከተማ ኣኹሱም ዝተሰርሐ ናይ ጎደናታት ምንፃፍ ኮብልስቶን ብፅፉፍ ስለ ዘይተሰርሐ። ይፈርስን ይባላሾን ኣብ ዘለሉ እዋን። እቲ ጠንቂ ድማ ነቲ ምንፃፍ እምኒ ተባሂሉ ዝተሰልዕ ገንዘብ። ግለ ሰባት ኣብ ዉልቃዊ ጥቕሞም ስለ ዘዉዓልዎ። እቲ ፕሮጀክት  ብፅፈት ኣይተሰርሐን ብምባል። ብ29 ለካቲት 2007 ዓ/ም ልዕሊ 2000 ዝኸዉን ህዝቢ እታ ከተማ ኣንፃር እቲ ስርዓት ናይ ተቓዉሞ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
   እቲ ናብ ሰልፊ ዝወፀ ህዝቢ የስምዖም ካብ ዝነበረ ጭርሖታት ድማ ገንዘብና እናተመዝበረ ስለምንታይ ብግዕዝይና ይጠፋፋእ፤ ወገናዉነት  ነጊሱ ሰናይ ምሕደራ ዝብሃል የለን። መሸጣ መሬት ብሊዝ ንሃፍታም ዝረብሕ እንተዘይኮይኑ ንድኻ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘየእተወን ዘየሳትፍን  ኣካይዳ እዩ ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ከም ዝነበሩ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣