ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ደቡብ
ትግራይ ጨርጨርን መኾኒን ዝርከብ ህዝቢ ብ22 ለካቲት 2007 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሰናይ ምምሕዳር ጠፊኡ፤ ጉቦን ወገናውነትን
ስለ ዝነገሰ ንመረፃ ኣይንምዝገብን፤ ኣይንመርፅን፤ ብምባል ይቃወሙ ከምዘለው ተፈሊጡ፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ ናይቲ ዞባ ኣመሓዳሪ ዝኾነ ሃፍቱ ወላሞ ብዘይ ኣግባብ ንቤተሰቡ መሬት ይዕድል ብምህላው
ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ድሕሪ ምግላፅ ኣብቲ ዞባ ብዙሕ ክትዕ ተኻይዱ ሰናይ ምምሕዳር የለን ፍጥሂ ንደልይ ኣለና ኢሎም ብትሪ ብምቃዋሞም ምክትል
ምምሕዳር ክልል ትግራይን ላዕለዋይ ካድረ ህወሓት-ኢህወዴግ ኪሮስ
ቢተው ናብቲ ቦታ ከይዱ ከመያይጦም ፈቲኑ ክረዳድኡ ስለ ዘይከኣሉ ካብ ሓደ ህዝብን ሃገርን ይመርሕ ኣለኹ ዝብል በዓል ስልጣን ዘይትፅበዮ በታታንን
መዕነውን ምልሽ ነቲ ህዝቢ ከም ዝመለሰሉ ተፈሊጡ፣