ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ናይቲ ዞባ ኣማሓዳሪ ዝኾነ
ፍቃዴ ድልነሳ ንኹሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ወረዳ ባንጃ ብ24 የካቲት 2007 ዓ/ም ናይ መፃኢ ወርሒ ግንቦት 2007ዓ/ም መረፃ
ተልእኾና ውፅኢታዊ ንምግባር እዚኦ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ውፅኢት ተኮር ገምጋም ወሳኒ እዩ ብዝብል ኣጀንዳ ኣብ ወረዳ ባንጃ ንዝርከቡ
ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣኼባ ከምዘካየደሎም ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ኣብቲ ኣኼባ በቲ ዝተወሃቦም ትሑት ነጥቢ ዝተናደዱ
ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ግብርና ናይ ስራሕ ስንብት ንኽዋሃቦም ንሓላፊ ናይቲ ቤት ፅሕፈት ናብ ብርሃኑ አያሌው መመልከቻ ዘእተዉ እንትኾኑ ካብቶም ናይ ስንብት ስራሕ ዝሓተቱ ኣይተ ኣዲሱ
ፈቃዱ፤ ወይዘሪት ኣማኔ፤ኣይተ ወርቃየሁ ሙሉጌታ፤ ኣይተ ኣወቀን ካልኦት ትሕቲ 58 ነጥቢ ውፅኢት ዘምፅኡን ምዃኖም ተገሊፁ።
እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ኣኼባ እቶም ሰራሕተኛታት ደገፍቲ ውድብ
ብኣዴን ንክኾኑ ቅቡል ስለ ዘይገበርዎ ከም ውፅኢት ስራሕ ገምጋም
ምስ ኣባልነት ናይቲ ስርዓት ምዃን ክትሕሓዝ የብሉን ብዝብል ዘይምርድዳእን
ጭቕጭቕን ከም ዝተልዓለ ተፈሊጡ።