Tuesday, March 10, 2015

ኣብ ዞባ ኣዊ ናይ ወረዳ ጃዊ ኣመሓደርቲ፤ ናይ ፀጥታ ኣካላትን ፖሊሳትን ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ገንዘብ ኣብ ምእካብ ተፀሚዶም ከም ዘለው ዝበፅሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



      ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ቅድሚ 13 ዓመት ናይ ሕርሻ እቶት ንምውሳኽ ብዝብል ብትሑት ዋጋ ዝተሸጡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ሕርሻ መሳርሕታት ቅድሚ እቲ ዝመፅእ መረፃ ብሓድሽ ሒሳብ ክስርሑ ኣለዎም ብዝብል ኣብ ዝመፅእ መረፃ ንኢህወዴግ ክመርፁ ኣይኽእሉን ንዝተበሃሉ ዜጋታት ልዑል ገንዘብ ንክኸፍሉ የገድድዎም ከም ዘለው ድሕሪ ምግላፅ፣ ነቶም ነበርቲ ንልዑል ወፃኢ እናቃልዕዎም ካብ ዘለዉ ናይቲ ገዛኢ መንግስቲ ተለኣኣኽቲ ድማ ኢንስፔክተር ባደግ ናይቲ ወረዳ ፖሊስ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት፤ ሮቤል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ፤ ግሩም ናይቲ ወረዳ ሓላፍ ቤት ፅሕፈት  ብኣዴንን ካልኦትን ከም ዝርከብዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ካብ ቀጠና ደቅ ዘረ ገነት 20.4 ሚልዮን ብር፤ ካብ ቀጠና ወርቅ ሜዳ ድማ 12 ሚልዮን ብር፤ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝተኣከበ እንትኸውን ግዳይ ፀገም ካብ ዝኾኑ ወገናት ኣቶ ሁነኛው ኣምበሌ፤ ኣቶ የሽዋስ ስዩም፤ ኣቶ ታሪኩ ፍቃዴን ቀሺ ኣበበ ዝተብሃሉ ናይቲ ወረዳ ነበርቲ ዝኾኑ ወገናት ድማ ብናይ መንግስቲ ፅዕንቶ ንድኽነት ተቓሊዕና ኣለና ክብሉ ብምረት ይገልፁ ከም ዘለው ተፈሊጡ።