ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮን
ከባቢኡን ዝርከቡ ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 23 ወተሃደራት ጉጅለ ኢህወደግ። ኣብ ዓመፅን ካልኦት ኣፀየፍቲ ተግባራትን ተዋፊሮም ከም
ዝርከቡ ድሕሪ ምግላፅ። በዚ መሰረት ድማ ሓለቓ ዓሰርተ ኣስፋዉ ሲሳይ ዝተብሃለ ወተሃደር። ን24 ሰዓታት ዝተዉሃቦ ፍቓድ ተጠቒሙ።
ኣብ “ተከዘ” ሆቴል ንእትሰርሕ ኪሮስ ዝተብሃለት ወገን ምስኣ ዝሓድር መሲሉ ብምትላል። ኣቐሚጣቶ ዝነበረት 3,765 ብር ብለይቲ ሰሪቕዋ ከም ዝጠፍአ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እታ
ግዳይ ዝኾነት ወገን ከርተት እናበልኩ ዝኣከብክዎ ገንዘበይ ብወተሃደር ተሰሪቐ ብምባል ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ’ቲ ክፍለ ሰራዊት
ዝበፅሓ ግፍዒ ዋላ እኳ እንተፍለጠት። ነቲ ግዕዙይ ተግባር ዝፈፀመ ወተሃደር ተኸታቲሉ ዝሕዝ ኣካል ክትረክብ ከም ዘይክኣለት እቲ
ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣