Wednesday, April 8, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ህዝብና ምስ ኣሸበርቲ ርክብ ኣለካ እናተብሃለ። ብኣምሓደርቲ ምፍርራሕ ኣብ ዝተምልኦ ኣኼባታት ተፀሚዱ ይዉዕል ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣



ካብ ዝተፈላለያ ምምሕዳር ወረዳታት ክልል ኣምሓራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ። ካብ 6 ክሳብ 12 መጋቢት 2007 ዓ/ም ካብ  ክልል ጀሚሩ ክሳብ ወረዳ ዘለዉ ሓለፍቲ ርክብ ህዝቢ ናይቲ ስርዓት በቢ ዞብኡን ወረድኡን ንዘሎ ህዝቢ ብምእካብ። ንፀረ ሰላም ሓይልታት ትተሓባበሩ ኣለኹም ብምባል። ኣብ ፅዑቕ ኣኼባ ፀሚዶሞ ከም ዝቐነዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ተኣካቢ ህዝቢ ከማኹም ዝበለ ህዝባዊ ሓላፍነት ዘይስምዖ ዉድብ ኣይመርሓናን። ለዉጢ ዘምፅእ ዉድብ እንተድኣ ረኺብና ሎሚ ይኹን ፅባሕ ክንድግፍ ኢና፤ እቲ ምስ ፀረ ሰላም ሓይልታት ትብልዎ ዘለኹም ርክብ ግን። ዉፁእ ሓሶት እዩ ብምባል። ኣብ መንጎ እቶም ካድረታትን ህዝብን ሓያል ሙጉት ዝተመልኦ መድረኽ ከም ዝነበረን ብዘይ ሓደ ፍረ ከም ዝተበተነን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣