Wednesday, April 8, 2015

ካብ ኩለን እዝታት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝኸድዑ ዘለዉ ወተሃደራት ቁፅሪ ካብ እዋን ናብ እዋን ይውስኽ ምህላዉ ተፈሊጡ፣



ኣብ ማእኸላይ እዝ ናይ መበል 22 ክፍለ ሰራዊት 4 ሬጅመንት ኣባላት ዝኾኑ ሓለቓ ዓሰርተ ሚጡ ቀሚሶን ወ/ር ማለዳ በላቸዉን ዝተብሃሉ ወታደራት። ኣብ ዝሓለፈ 17 መጋቢት ሰዓት 8።00 ናይ ለይቲ ካብ ቢያራ ክሃድሙ ፈቲኖም ብዝብል ክልቲኦም እንትቕተሉ ንግዚኡ ኣስማቶም ዘይተፈለጡ 2ወተሃደራት ከኣ ብኸቢድ ከም ዝቖሰሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ንከይሕከሙ ድማ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ተኸልኪሎም ብሕሱም ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ካብ ዉሽጢ እቲ ሰራዊት ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
እዞም ቆሲሎም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ወተሃደራት ስለ ምንታይ ዘይሕከሙ ሰብኣዊነት ዝጎደሎ ኣሰራርሓ እዩ ብምባል ብዙሓት ናይ’ቲ ሬጅመንት ወተሃደራት ይቃወምዎ ዘለዉ እንትኾኑ። ዛጊድ ግን ዝሰምዕ ኣካል ከም ዘይተረኽበን ብተወሳኺ ድማ እቲ ኣሃዱኻ ራሕርሕኻ ናብ ስደትን ናብ ተቓወምቲ ዉድባት ምፅንባርን ዝርአ ዘሎ ህድማ ካብ እዋን ናብ እዋን ቁፅሩ እናዛየደ ይኸይድ ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣
ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ምዕራብ እዝ ኣባል ስታፍ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀንሐ ሓለቓ ዓሰርተ ያሲን ኣሕመድ። ኣብ ዝሓለፈ 5 መጋቢት 2007 ዓ/ም ሰዓት 2 ንጉሆ ካብ ኣሃዱኡ ምስ ተሰወረ ክሳብ ሕዚ ኣበይ ከም ዝኣተወ ከም ዘይፍለጥ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፣