ብመሰረት
ካብ ዉሽጢ እቲ ክ/ሰራዊት ዝበፀሐና ሓበሬታ። ኣብ ምዕራብ እዝ ክፍለ ሰራዊት 24 ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ
ክኣትዉ እንተለዉ በቲ ስርዓት ዝተኣተወሎም መብፅዓ ስለ ዘይትግበርን ብዘለዎም ማሕበራዊ ፀገምን ተማሪሮም ብረቶምን ዕጥቆምን እናሸጡ
ይጠፍኡ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ። ብፍላይ ድማ ናይ’ቲ ክፍለ ሰራዊት ኣባላት ካልኣይ ሬጅመንት ዝኾኑ ክልተ ወተሃደራት ብ20 መጋቢት 2007 ዓ.ም ኣሃድኦም ራሕሪሖም ዳንሻ
ሓሊፎም ብመንገዲ ጎንደር እናኸዱ ንሲቪላት ብረቶምን ዕጥቆምን ዓድጉና መሳፈሪ ስኢና ከም ዝበልዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
ኣስዒቡ
እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ። ኣዘዝቲ እቲ ክፍለ ሰራዊት ንማሕበራዊ ቀረብ እቲ ወተሃደር ተባሂሉ ዝወፀ ገንዘብ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተኣሳሲሮም ኣብ ዉልቃዊ ረብሐኦም የዉዕልዎ ከም ዘለዉ ብሰራዊት ተገምጊሙ
ከብቅዕ ክሳብ ሕዚ ዝተገብረ ለዉጢ ከዘይለ ተሓቢሩ፣