ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ህዝብና ብማሕበራዊ
ጠለባት ተሸጊሩ መረረቱ ይገልፀሉ ኣብ ዘሎ እዋን። ነባሪ ህዝቢ ኣብ ዝረኽቦም ድንኳናት ብዝሓሸ ዋጋ ክሽየጡ ተባሂሎም ዝመፁ። ከም
ዘይቲ፤ ሽኮርን ፍኖን ዝኣመሰሉ ጠለባት። ካድረታት እታ ከተማ መሸፈጢ ዝተወሰነ ናብ ቀበሌታት ሊኢኾም እቲ ዝበዝሕ ድማ ካድረታት
ህወሓት ኣብ ረብሐኦም ስለ ዘዉዓልዎ። ኣብ’ታ ከተማ ን3ተ ሊትሮ ዘይቲ ካብ 260 ክሳብ 300 ብር ይሽየጥ ከም
ዘሎ ተፈሊጡ፣
ነቲ ብካድረታትን ኣመሓደርትን ዝካየድ ዘሎ ምዝመዛ መላእ ህዝቢ እታ ከተማ
ስለ ዝፈለጦ። ን19 መጋቢት 2007 ዓ/ም ናይ ተቓዉሞ ሰላማዊ ሰልፊ
ንምክያድ ሕቶ ከም ዘቕረበ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እቶም ካድረታትን ኣምሓደርትን ድማ ነቲ ብነባሪ ህዝቢ ዝተልዓለ ሕቶ ሰልፊ ንምስንኻል
ኣብ ኣኼባታት ፀሚዶም ስለ ዘለዉ ህዝቢ ብወገኑ ስለ ምንታይ ብህይወት ዜጋታት ትሽቅጡ ኣለኹም? ሰላማዊ ሰልፊ ንኸይነካየድ ትኽተልዎ
ዘለኹም መንገዲ መሰል ህዝቢ ዝዕፍን እዩ ብምባል ሕብረተሰብ ተቓዉምኡ የስምዕ ከም ዘሎ ተገሊፁ፣