ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ተማሃሮ ዓዲ-ግራት ዩኒቨርስቲ ኣብ መፃኢ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ/ም ኣብ ዝካየድ ምስሉይ መረፃ ንኢህወዴግ ንኽመርፁ ብፕረዚዳንት ናይ’ቲ ዩኒቨርስቲ ዶ/ር ዛይድ ነጋሽን ምክትሉ ዶ/ር
ዘለኣለምን ጎስጓስ ይግበረርሎም ’ኳ እንተሎ። ብወገን ‘ቶም ተማሃሮ ዝተውሃበ መልሲ ግን ንሳኻትኩም መምህራን ዲኹም ወይስ ካድረ
ናይ’ቲ ስርዓት ብምባል ከም ዝተቓወምዎ ተፈሊጡ፣
መምህራን ናይ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ብወገኖም ዝኾነ ዓቕመ ኣዳም ዝበፀሐ ሰብ
ናይ ባዕሉ ናይ ፖለቲካ ዕላማ ኣለዎ። ንሕና’ውን እንተኾና ናይ ባዕልና ናይ
ፖለቲካ ኣጠማምታ ኣለና ዝብል ምላሽ ድሕሪ ምሃቦም። እቶም ሰበስልጣን እቲ ዩኒቨርሲቲ ብወገኖም ካብዚ ሕዚ ንደሓር ዝተቓወመ ተማሃራይ ክሳብ ናይ ምብራር ዝኸይድ
ስጉምቲ ክንወስድ ኢና እናበሉ የፈራርሕዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ተማሃሮ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ብሕፅረት ዝስተ ማይ
ፅሩይ ማይ ክሳቐዩ ምፅንሖምን ፍታሕ ንኽግበረሎም ድማ ብተደጋጋሚ ንዝምልከቶም ኣካል ክቐርቡ ዝፀንሑ ጥርዓናት ዛጊድ ዝተገብረ ለውጢ ሰለ ዘየለ ኣብ ልዕሊ እቲ
ስርዓት ዘለዎም ፅላኣት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ይፍለጥ፣