ኣብ ሃገርና ምስ መረፃ ተኣሳሲሩ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ነቲ
ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት ኣዝዩ ስለ ዘጨነቖ። ነቶም ቅድሚ ሕዚ ብጥሮታን ብቦርድን ካብ ዉትህድርና ኣስናቢትዎም ዝፀንሐ
ተጋደልቲ ነበር። ንዘለዎም ናይ መነባብሮ ሽግራት መዝሚዙ መንበሪ ገዛ ክወሃበኩም እዩ፤ ናብ ዓቃቢ ሰላም ክትለኣኹ ኢኹም። ቅድሚ ሕዚ ዘይረኸብኩሞ ዝተፈላለየ ጥቕማ ጥቕሚ ክሕለወልኩም እዩ እናበለ
ዳግም ናብ ዉትህድርና ክምለሱ ፃዉዒት ይገብረሎም ከም ዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
እንተኾነ ግን እቶም ፃዉዒት ዝግበረሎም ዘሎ ተጋደልቲ ነበር ቅድሚ ሕዚ
ዘታለልኩምና ይኣክል፤ ንስኻትኩም’ኮ ዝኣተኹሞም መብፅዓታት ዝጠለምኩም ልዕሊ ኩሉ ዉልቃዊ ረብሓኹም ዘገድሰኩም ብምዃንኩም ሕዚ ብኣኹም
ክንታለል ኣይንኽእልን ብምባል ነቲ ፃዉዒት ከም ዝነፀግዎ ተፈሊጡ፣