ብመሰረት እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ። ዋና ኣምሓዳሪ
ወረዳ ማቻከል የኔነህን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ናይ’ታ ወረዳ ኣዲሱን ነቲ ብወረዳ ደረጃ ዝካየድ ዝነበረ ናይ መምህራን፤ ርእሰ
ምምህራንን ሱፐርቫይዘራትን ኣኼባ። ቀንዲ ኣጀንዳ ንዝነበረ ፅሬት ትምህርትን ዉፅኢት ተኮር ገምጋምን ኣንፈቱ ብምቕያር። ኣብ ዙርያ
መረፃ ዘሎ ኩነታት ኢና ክንመያየጥ ዘለና ብምባል እቲ ኣመሓዳሪ ንዘቕረቦ ሓዱሽ ሓሳብ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ተፈሊጡ፣
እቶም ተኣከብቲ መምህራን። ኣብ ወረዳና ብተደጋጋሚ ሞት ደቂ ሰባት ዘስዕብ
ዘሎ ምፍንቓልን ሽግር ሰናይ ምሕደራ ዝወለዶ ስለ ዝኾነ። መጀመርያ ኣካይዳኻ ኣስተኻኽል ኣብ ቀረባና ካብ ቤተሰብና ብስም ኢንቨስትመንት
ዝተመንጠለ ናይ ሕርሻ መሬት ክምለስ ኣለዎ ብምባል። ነቲ ግዕዙይ ምምሕዳሩ ከም ዝተቓወምዎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣
ብድሕሪ’ዚ እቶም ተኣከብቲ መምህራን እቲ ዋና ኣመሓዳሪ ኣጀንድኡ ሒዙ
ክወፅእ ከም ዝገበርዎምን እቲ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ነቲ መድረኽ ከም ዝመርሖን ንምፋላጥ ተኻኢሉ፣