Tuesday, April 7, 2015

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኣርሲ ከተማ ኣሰላ ዝንቀሳቐሱ ኣመራርሓ ተቓወምቲ ዉድባት ይእሰሩ ከም ዘለው ምንጭታትና ኣፍሊጦም፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ዞባ ኣርሲ ከተማ ኣሰላ ዝንቀሳቐሱ ኣመራርሓ ተቓወምቲ ዉድባት። ልኡዃት ኣምባገነን ገዛኢ ስርዓት ዝኾኑ ፖላዊስ። ምስ ኣባላት ኦህዴድ/ኢህወዴግ ዝኾኑ ሰባት ዉልቃዊ ፅልኣት ስለ ዘለኩም ኢኹም‘ምበር ኣብ ክልልና ዝኾነ ዓይነት ንምቅዋም ዘበግስ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር የለን፣ ስለዚ ምስዞም ዉልቀ ሰባት ዘለኩም ፅልኣት ብዉልቀ ክትረዳድኡ እንተዘይክኢልኩም። ህዝቢ እናላዓልኩም ስቕ ኢልና ኣይንርእን  ብምባል ይኣስርዎም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
   ብከምዚ ዓይነት ናይ ሓሶት ተንኮል እናተማህዘ ንማእሰርቲ ካብ ዝተቓልዑ ዜጋታትና ዉሽጢ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ እሱር ክሳቐ ዝፀንሐ መልካሙ ሂርጳ ዝተብሃለ መምህር ከም ዝርከቦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣