ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ
ፀረ ህዝቢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ካብ 18 መጋቢት ክሳብ 14 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ
።ዝኾነ ናይ ወልቀን ናይ መንግስትን ዕጥቂ ዝዓጠቐ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፀጥታ ምምሕዳር ከመዝግብ ከም ዘለዎ ዝተገልፀ
እንትኾን ንምምዝጋብ ዝኽፈል ገንዘብ ድማ ንክላሽ 35 ብር ንሽጉጥ ከከም ዓይነቱ ካብ 300 ብር ንላዕሊ ክኸፍል ከም ዘለዎን ብፍላይ
ብዛዕባ ናይቲ ስርዓት ፀገም ብጋህዲ ንዝዛረቡ ወገናት ከመዝግቡ ኢሎም ኣብ ዝኸድሉ እዋን ተቐቢሎም ይኣስርዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
ነቲ መምርሒ ኣኽቢሮም ክምዝገቡ ከይዶም ካብ ዝተኣሰሩ ንፁሃት ዜጋታትና።
ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ኣንካሻ ቀበሌ ኣዘና ነባሪ ዝኾነ ኣይተ ተመስገን የኔው ንነዊሕ ዓመታት ክጥቀመሉ ዝፀንሐ ማክሮቭ ዝዓይነቱ ሽጉጥ
ከምዝግብ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ንስኻ ኣሸባሪ ኢኻ፤መንእስያት ትወድብ ኢኻ ብዝብል ምኽኒት ኢንስፐክተር ኣዳነን ኢንስፐክተር ኣየነው
ሞነንን ምስ ናይ ሶስቱ ሹማታ ቀበሌ ኣቦ ወንበር
ብምዃን ብለይቲ ዝቐተልዎ እንትኾኑ። ንሃቱ ሰዓብቲ እዮም ዝተብሃሉ ነበርቲ ከተማ እንጂባራ ኣይተ ኣለህኝ የኔውን ኣይተ ትእዛዙ ኣለሙን ፖላዊስ ባዕልቶም ብሓሶት
መስኪሮም ን18 ዓመት ክፍረዱ ምግባሮም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣