Sunday, April 12, 2015

ኣብ ከተማ መቐለ ብዘሎ ግዜ ዝወሰደ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ነባሪ ህዝቢ ዕለታዊ ስራሕቱ ብኣባግባቡ ከሰላስል ከም ዘይካኣለ ተፈሊጡ፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ነባሪ ህዝቢ ከተማ መቐለ ብሓፈሻ ብምምሕዳራዊ ፀገማት ይሳቐ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብያዊ ምምሕዳር ሓወልቲ ፍሉይ ሽሙ ደብሪ ዝርከብ ህዝቢ። ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ትራንስፎርመራት ብቐፃሊ ክባላሸዋ ፀኒሐን ነዚአን ንምትካእ እቲ ምምሕዳር ካብ ምክልኻል ኢንጅነሪንግ  ትራንስፎርመራት ነምፅእ ኣለና፤ ዘላቒ ፍታሕ ክንገብረልኩም ኢና ወዘተ እናበሉ ኣስታት 7 ወርሒ ተፀብዩ ዝጭበጥ ፍታሕ ከም ዘይረኸበ ተገሊፁ፣
ብተወሳኺ ህዝቢ ኣብ’ቲ ምምሕዳር ዘሎ ግበረለይ ክገብረልካ ዝወለዶ ፀረ ዴሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ኣብ ኩሉ ኣብያተ ፅሕፈት ናይ’ታ ከተማ ተስፋሕፊሑ። ኣገልግሎት ዝደሊ ማሕበረ ሰብ ኣብ ሓደ ቢሮ ክዉዳእ ንዝግብኦ ቀሊል ነገር። ዝሰምዖ ኣካል ስኢኑ ካብን ናብን ክንከላበት ይዉዕል ብምህላዉ። ኣብ ልዕሊ እቲ ምምሕዳር መረረቱ የስምዕ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣