ከም
ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ዞባ ማእኽል ትግራይ ከተማ ዓብይ-ዓዲ ፍሉይ ቦታ ዓዲ-ግዲ ኣብ ዝተብሃለ ነበርቲ ዝኾኑ ኣባላት ዉድብ
ዓረና ምንም ዝፈፀምዎ ገበን ዘይብሎም። ካብ ዝነብርሉ መንበሪ ገዝኦም ፖላዊስ ናይ’ታ ከተማ ብዘይ ዝኾነ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ
ኣሲሮም ይወስድዎም ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣
ኣስዒቡ
እቲ ሓበሬታ። ዮናስ ገብረኣምላክ ተላ ዝተብሃለ ሓደ ኣባል ዉድብ ዓረና ብ18 መጋቢት 2007 ዓ/ም ንጉሆ ስዓት 2።30 ኣብ መንበሪ
ገዝኡ ኣብ ዝነበረሉ። ፖላዊስ ትድለ ኣለኻ ብምባል ከም ዝወሰድዎ ድሕሪ ምግላፅ። ነቲ ሕጋዉነት ዘይብሉ ተግባሮም ይዕዘቡ ዝነበሩ
ስድርኡ ስለ ምንታይ ትኣስርዎ ኣለኹም ኢሎም ኣብ ዝሓተትሉ ጊዜ። ምርመራ ድሕሪ ምግባርና ክነግረኩም ኢና ብምባል ወሲዶም ኣብ’ታ
ከተማ ቀበሌ 03 እንዳ-ባዴራ ዝተብሃለ ፖሊስ ጣቢያ ኣሲሮሞ ምህላዎም
ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣