Wednesday, April 8, 2015

ኣብ ክልል ቤንሻጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ናብ ህዳሰ ግድብ ኣብ ዝወስድ ወሰን ፅርግያ ሰፊሮም ዝርከቡ ንፁሃን ዜጋታትና ኣሸበርቲ እናተብሃሉ ይእሰሩ ምህላዎም ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብቲ ክልል ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ፍሉይ ሽሙ ማንኩሽ ኣብ ዝተብሃለ ኣከባቢ ዝነብሩ ንጊዚኡ ሹሞም ብዕሊ ዘይተፈልጠ ናይ ክልል ኣምሓራ ተወለድቲ ዝኾኑ ክልተ ሓረስቶት። ቅድሚ 6 ዓመታት  ኣትሒዞም ክነብሩሉ ካብ ዝፀንሑ መንበሪ ኣባይቶም ስለምንታይ ኣብ ወሰን መንገዲ ገዛ ሰሪሕኹም፤ ንስኹም ንናይ ቤንሻንጉል ህዝብ ነፃነት ግምባር /ቤህነን/ ንዝተብሃለ ውድብ ተለኣኣኽትን፤ ኣሸበርትን፤ ኢኹም ብምባል መንበሪ ገዝኦም በቲ ስርዓት  ከም ዝፈረሰን ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ መበል 4 ዓመት በዓል ህዳሰ ግድብ ንኸኽብር ንዝመፀ ህዝቢ ከተሰናኽሉ ሓሲብኩም ተባሂሎም ብ23 መጋቢት 2007 ዓ/ም ኣድራሻኦም ብዘይፍለጡ ፌደራል ፖሊስ ተታሒዞም ከም ዝተወሰዱ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
    ካብቲ ክልል ከይወፃእና መንግስቲ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ንዝነበሩ ዜጋታትና ንኢህወዴግ እንተ ዘይመሪፅኩም ካብ ዝተዋፈርኩሞ ናይ ኢንቨስትመንት ስራሕ ሕርሻ ክነፈናቕለኩም ኢና ብምባል የፈራርሕዎም ብምህላዎም እቲ ህዝቢ ድማ ዋላ ሓንቲ ናይ ዲሞክራሲ ጭላንጭል ኣብ ዘይብሉ ከባቢ ክልል ቤንሻንጉል ከመይ ኢሉ መረፃ ክካየድ ብምባል ነቲ መረፃ ይቃወምዎ ምህላዎም ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ የመልክት፣