ኣመራርሓ ናይቲ እዚ ግን ንዘልዓልዎ ሕቶ ብምንፃግ
ሎሚ ይኹን ፅባሕ ናብ ዝኾነ ቦታ ኣይትቕየሩን ብምባል ንዝሓተቱ ዉልቀ ሰባት ድማ ኣለዓዓልቲ ኢኹም እናተብሃሉ ሕጋዉነት ኣብ ዘይብሉ
ኣብ ውሽጢ እቲ እዝ ተኣሲሮም ኣብ ዘለዉሉ ሓሳብና ዘቕረብና ተጋጊና
ኢና ብምባል ኣብ ቅድሚ ሰራዊት ተናስሑን ኣምህሩን ተብሂሎም ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ክልተ ወተሃደራት ብዘይ ዝኾነ ሽግር ዝተባረሩ ከም ዘለዉ ድሕሪ
ምግላፅ እዞም ዝተባረሩ ወተሃደራት ንኣዘዝቲ እቲ እዝ ንስኻትኩም ስልጣንኩም ተጠቒምኩም ገንዘብ መንግስቲ እናጠፋፋእኹም ንወተሃደር
ኣብ ምስቓይ ኢኹም ዘለኹም ዝብሉን ካልኦትን ብዙሓት ሕቶታት ብምልዓሎም ምዃኑ ተፈሊጡ።