Sunday, August 2, 2015

ኣብ መንጎ ህዝብታት ክልላት ዓፋርን ትግራይን መሬት ዝመበገሲኡ ግጭት ተፈጢሩ ስለ ዘሎ ነበርቲ ኣብ ከቢድ ፍርሒ ወዲቖም ከም ዘለዉ ካብ'ቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



     ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ  ኣብ ክልላት ዓፋርን ትግራይን ዝዋስኑ ወረዳታት ኣፅብን በራሕለይን  ዝነብር ህዝቢ መሬት  ዝመንቀሊኡ ኣብ ግጭት ተፀሚዱ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ በዚ መሰረት ድማ ህዝቢ ወረዳ ኣፅቢ እዚ መሬት ናትና እዩ ብምባል ደፊኦም ምስ ኣተዉ ካብኣቶም ስለስተ ዕጡቛት ናብ ክልል ዓፋር ከባቢ በራሕለይ ብምኻድ ክላሽን ስለ ዝመንጠሉ እቲ ግጭት ድማ ዝያዳ ክጉሃሃር ከም ዝኸኣለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቶም ኣብ ክልቲኡ ክልላት ዝርከቡ ዕጡቛት ናብ'ቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ መሬት ብ18 ሓምለ 2007 ዓ/ም ተኣኻኺቦም ሰለ ዘለዉ  እቲ ኩነታት ናብ ዝገደደ ኲናት ከየምርሕ ተሰጊኡ ከም ዘሎ ንናይ  ዓይኒ መሰኻኸር መሰረት ብምግባር ምንጭታትና ገሊፆም።