ኣብ ኣዲስ አበባ ከባቢ ወሎ ሰፈርን ጎጃም ሰፈርን ዝነበሩ ተወለድቲ ኣምሓራ
ዝኾኑ ዜጋታት መለለይ ካርድ ዘይብሎም ሰባት ኣሕዲርኩም ብዝብል ምኽንያት ኣዘዝቲ ፖሊስ ባዕሎም መሪሖም ገዛ ገዛ እናዞሩ ካብ መነብሪ
ገዝኦም ኣገዲዶም ብምዉፃእ ከምዚ ዝበለ ተግባር ትሰርሑ ዘለኹም ምስ ተቓወምቲ ዉድባት ርክብ ስለ ዘለኩም ኢኹም ብዝብል ዝምቡዕ
ኣተሓሳስባ ኣሲሮም የሳቕይዎም ምህላዎም ተገሊፁ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣሚናት ሊላ ዝተብሃለት
ተወላዲት ጎጃም መለለይ ካርድ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ገዛኺ ኣሕድርኪ ብዝብል ብፖሊስ ተኣሲሮም ካብ ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናት ሓንቲ ኮይና
ንሳ ብዘይ ዝኾነ ክሲ ን22 መዓልቲ ተኣሲራ ከም ዝተሳቐየት ዝበፀሓና ሓበሬታ የረድእ።