ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ብመንግስቲ ዝፍፀም ዘሎ
ኣካፋፍላ ግብሪ ብዘይ ዝኾነ መለክዒ ክኸፍሉ ብምግባር፣ ነጋዶ ብልዕሊ መጠን ግብሪ ኣብ ክሳራ ብዉዳቖም ኣብ ልዕሊ እቲ ምምሕዳር
መረረቶም ይገልፁ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ካብ'ቶም ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ግብሪ ክኸፍሉ
ዝተገደዱ ነበርቲ ናይ'ታ ከተማ ተወሰኑ ንምጥቃስ፦
ካሕሳይ ገብረኪዳን ወናኒ መከፋፈሊ መሳርሒ ህንፃ ክፈል ዝተብሃሎ 180 ሽሕ
ብር ኮይኑ ንግዲ ፍቓድኩም ተቐበሉኒ መኽፈሊ ዓቕሚ የብለይን ዝበለ፤
ብርሃነ ሃይለ መከፋፈሊ ስሚንቶ ነይርዎ ካብ 2004 ዓ/ም ኣትሒዙ ዓፅይዎ
እናሃለወ ሕዚ 80 ሽሕ ብር ክፈል ዝበልዎ፤
ክንፈ ሃይለሚካኤል ወናኒ ንእሽቶ መፍረዪ ብሉኬት ልዕሊ 23 ሽሕ ብር ክኸፍል ዝተወሰኖ፥
ብርሃነ ሓድጉ በዓል ትካሉ ሸቐጣ ሸቐጥ ኮይኑ
ልዕሊ ኣታዊኡ ክፈል ተባሂሊ ፍታሕ ክግበረሉ ጠሪዑ ሰማዒ ዝሰኣነን ካልኦትን ዝርከብዎም ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።
በተመሳሳሊ ነበርቲ ከተማ ሸራሮ ብስእነት ብቐረብ ሃለኽቲ መግብታት ተፀጊሙ ከም ዘለዉን፣ ብፍላይ ድማ ዘይቲ ብልዒ ጨሪሹ ኣብ
ዕዳጋ ከም ዘየለን ንሓደ ኪሎ በርበረ ድማ 180 ብር ስለ ዝበፅሐ ነበርቲ ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ፀገም ወዲቖም ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።