ብመሰረት
ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝነብር ህዝብና ብካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ዘይተመጣጠና ግብሪ ክኸፍል ይግደድ ከም ዘሎ
ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ'ቶም ልዕሊ ዓቀን ግብሪ ክኸፉ ዝተገደዱ ንምጥቃስ ድማ ኣይተ ኪሮስ ካሕሳይ ወናኒ ማእኸል ዓጋመ ሆቴል
285 ሽሕ ብር፤ ሃይሉ ወለማርያም መካረይ ኣባይቲ 75 ሽሕ ብር፤ ብርሃነ ሕሸ ወናኒ ቡቲክ 120 ሽሕ ብር፤ መምህር ዘርኢት ኣካራይ
ኣባይቲ 120 ሽሕ ብር ክፈሉ ተባሂሎ ብሓይሊ ክኸፍሉ ዝተገደዱ ገሊኦም
ከም ዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚኦም
ከም ኣብነት ንምግላፅ ድኣ'ምበር ኣብ መላእ ሃገር ብርክት ዝበለ ህዝቢ ምስ ኣታዊታቱ ዘይመጣጠን ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ክፈል እናተብሃለ
ብካድረታት ይግደድ ከም ዘሎን ህዝቢ ጥርዓኑ ኣብ ዘስምዓሉ ድማ ዝሰምዕ ኣካል ስኢኑ ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።