Wednesday, July 15, 2015

ህዝቢ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ብሰንኪ ዘይፍትሓዊ ኣከፋፍላ ግብሪ መረረቱ የስምዕ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ህዝቢ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ብሰንኪ ዘይፍትሓዊ ኣከፋፍላ ግብሪ መረረቱ የስምዕ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ  እቲ ካብ 1 ሓምለ  2007ዓ/ም በቢደረጅኡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ነበርቲ ካብ ዘቕረብዎ ሓሳብ፦ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ግብሪ ኣከፋፍላ  ከይዲ ብግምት እምበር ሳይንሳዊ መንገዲ ዝተኸተለ ኣይኾነን፤  ሓደ ዓይነት ካፒታል ዘለዎም ነጋዶ ዝተፈላለየ ግብሪ ክከፍሉ ይግበር ኣሎ፤ ብመፅናዕቲ ብዘይተደገፈ ኣከፋፍላ ግብሪ ህዝቢ ይህሰ ኣሎ፤ ስለምንታይ እንተበልና ዳሓረ ክነፅንዖ ስለ ዝብሉና ከይፎተና ተለቂሕና ንኸፍል ኣለና እቲ ገለ ዘለቅሖ ዝሰኣነ ድማ ናብ ሓለፍቲ ብምኻድ ንግዲ ፍቃድና ተረከቡና ዝበሉ ኣለዉ ክብሉ ምግላፆም ንምፍላጥ ተካኢሉ።
ካብ’ቶም ኣይንከፍልን ንግዲ ፍቃድና ተረከቡና ዝበሉ ነጋዶ  ገለ ንምጥቃስ  ወ/ሮ ኣስቴር ረዳ ወናኒት ሮማናት ቤት ቁርሲ፤ ኣይተ ማዕሾ ሊላይ ናይ ማስተር ኤሎክትሮኒክስ ባዓል ዋና፤ ወ/ሮ  ፋጢማ ኑርሒሰን ወናኒ ኑርሒሰን ላውንደሪ ዝርከብዎም ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።