Wednesday, July 15, 2015

ህዝቢ ከተማ መቐለ ብሕፅረት ሃለኽቲ መግብታት ስለ ዝተፀገመ መረረቱ የስምዕ ከም ዘሎ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



   ምንጭታትና ካብ ከተማ መቐለ ከም ዝሓበርዎ ህዝቢ ከተማ መቐለ ብሕፅረት ሃለኽቲ ነገራት ይሳቐ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ ካብ  12 ሰነ  2007ዓ/ም ኣትሒዞም ከም  ዘይትን በርበረን ዝኣምሰሉ ነገራት ጠቕሊሎም ካብ ዕዳጋ ስለ ዝጠፍኡ ነዚ ተኸቲሎም ሓደ ሓደ ነጋዶ ድማ  ንሓደ ኪሎ በርበረ ካብ 160 ብር ክሳብ 180 ብር ይሸጥዎ ስለ ዘለዉ  ከም ውፅኢቱ  ነበርቲ  ዕለታዊ ሰረሖም ገዲፎም  ነዞም ሃለኽቲ መግብታት ንምርካብ  ፎቆዶ  ድኳናት ኮለል ክብሉ ይውዕሉ  ምህላዎም ተፈሊጡ።
  እቲ ሓበሬታ  ኣስዒቡ  በዚ ዝተማረረ ነባሪ ህዝቢ ድማ ብጉጅለ ብምዃን   ናብ ሓላፊ ጅንኣድ ከተማ መቐለ ብምኻድ ስለ ምንታይ  ብንስእነት ሃለቕቲ ነግራት ህዝቢ ዝፀገም ዘሎ ብምባል ጥርዓኑ ኣብ ዝገለፅሉ እዋን እቲ ሓላፊ ብመራኽብ  ስለ ዝመፅእ ዘሎ ንቁሩብ ማዓልቲ ተፀበዩና ዝብል ኣሽካዕላል መልሲ ከም ዝሃቦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።