Monday, August 31, 2015

ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኣብ መበል 12 ጉባኤ ህወሓት ዝተሳተፉ ወኪላት ህዝቢ ግዕዝይና ኣብ ምስፋሕፋሕ ዝለዓለ ግደ ክፃወቱ ፀኒሖም ዝበልዎም ኣመሓደርቲ ክልተ ዞባ ብሕጊ ንክሕተቱ ብግልፂ ኣቕርቦም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሚኪኤለ ኣብርሃ ኣብ ኣክሱም ዝተፈላለየ ግዝዕዝይና ይካየድ ከም ዘሎ እናፈልጠ ስጉምቲ ዘይምዉሳዱ ንኣብነት ከንቲባ ኣክሱም ኣበራ ሃለማርያም 13 ሚልዮን ብር ገንዘብ ህዝቢ በሊዑ ምስ ተኣሰረ ኣብ ስራሕ ዘጋጥም እዩ ብምባል ክሲ ከይቐርቦ ብምግባር ስልጣኑ ተጠቒሙ ካብ እሱር ከም ዘፍተሖ።
ከምኡ'ዉን ቅድም ኢሉ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ እናሃለወ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ህዝብን ብሽም ማሕበራት ዝመፀ ገንዘብን  በሊዑ ብሓፈሻ ኣብ'ቲ ዞባ ግዕዝይና ክነግስ ዝለዓለ ግደ ነይርዎ ዝብል ከም ዝቐረበሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    ብተመሳሳሊ ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ፍስሃ በርሀ ንባዕሉ ብግዝዕዝይና ስለ ዝጠልቀየ ኣብቲ ዞባ ግዕዝይና ክስፋሕፋሕ ዓብዪ በሪ ከም ዝኸፈተ ንኣብነት ንመሰርሒ ገዛ ዝዉዕል ሓደ ቡሎክ መሬት ከተማ ንዉልቀ በዓል ሃፍቲ ካብ ኣገባብ ወፃኢ ክወሃብ ብምግባር 300 ሽሕ ብር ጉቦ ተቐቢሉ ምስ በሉ ክልትኦም ኣመሓደርቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ኣለዎም ክብሉ ናብ'ቲ ጉባኤተኛ ብመረዳእታ ኣደጊፎ ከም ዘቕረቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።