Monday, August 31, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ዝርከቡ ሓረስቶት ብቁፅሪ ቤተሰብ ሓገዝ ክትወሃቡ እኹም እናተበሃሉ ናይ መንግስቲ መዳበርያ ክወስዱ ዋላ'ኳ እንተተ ገበረ መብዛሕትኡ ሓረስታይ ግን ከም ዘይተቐበሎ ተገሊፁ።



ብዝበፀሓና ሓበሬታ መሰረት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ቦረና፤ ብሓገዝ ኣተዓሻሽዮም ማዳበርያ ክወስዱ ዋላ እንተገበሩ መብዛሕትኡ ሓረስታይ ግን ከም ዘይተቐበሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣይንወስድን ኢሎም ካብ ዝተኣሰሩ ዉልቀ ሰባት ዉሽጢ ሳይድ ሙሄ፤ ወሰን መኩርያ፤” ኣወል ይመርን ጀማል ሲራጅን ከም ዝርከብዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካደረታት ኢህወዴግ ኣብ መላእ ሃገር በብከባብኡ ዝርከብ ሓረስታይ ማዳበርያ ብኽባር ዋጋ ገዚኡ ክኸፍል ስለ ዘገድድዎ ንዘይተደለየ ዕዳን ምግልታዕን ይቃላዕ ከም ዘሎ ኣብ ዝተፈላለዩ ዜናታትና ምግላፅና ይፍለጥ።