Monday, August 31, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ሰሜን ወሎን ጎጃምን ኣብ ከባቢ ሑመራ ብዝተፈጠረ ግጭት ምኽንያት 9 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊፁ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ሰሜን ውሎን ጎጃምን እቲ ስርዓት ብዝፈጠሮ ግጭት ምኽንያት ብ6 ነሓሰ 2007 ዓ.ም ኣብ ከባቢ ሑመራ 9 ሰባት ከም ዝሞቱን ብንፁር ዘይተፈለጡ ብዙሓት ሰባት ብኸቢድ ምቑሳሎም ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ሰብኣዊ ርህራሄ ዘይብሎም ኣመራርሓ ህወሓት ኢህወዴግ ኣብቲ ናይ ግጭት እዋን ዝቖሰሉ ሰባት ናይ ፀላእቲ ተሓባበርቲ እዮም ብምባል ኣመሓደርቲ ከተማ ሑመራ ስለ ዘጠመቕዎም ብዙሓት ቁስላት ንዝኸፈአ ስቓይ ምቅልዖምን ናብ ርሑቕ ከባቢ ከይዶም ክሕከሙ ምግዳደሙን ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረድኡ።