Monday, August 31, 2015

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ተኽላይ ተኽለ ዝተብሃለ ዉልቀ ሰብ ኣብ ከተማ ሽራሮ ዉሽጢ ዝርከብ ናይ ምክልኻል ቤት ባኒ ማሽን ብቡምባ ንምቅፃል ሓሲብካ ብዝብል ምኽንያት ከም ዝተኣሰረ ተገሊፁ።



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ዉሽጢ ዝርከብ ናይ ምክልኻል ናይ ባኒ መሰንከቲ ማሽን ንምቅፃል ሓሲብካ ብዝብል ምኽንያት ካብ “ተከዘ ቁፅሪ ሓደ ቡና ቤት” ፍርቂ ለይቲ ተወሲዱ ከም ዝተኣሰረ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እቲ ዉልቀ ሰብ ምስ ዴምህት ርክብ ኣለካ ዝብል ምኽንያታት ብምፍጣር ብተደጋጋሚ እናተኣሰረን እናተለቐቐን ምፅንሑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።