ነበርቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብሰንኪ ዝፀንሐን ዘሎን ናይ
መሬት ምስሕሓብ ዝመንቀሊኡ ግጭት ብዙሓት ወገናት በቲ ባእሲ እናሞቱ
ብወገን ሰበ ስልጣናት ክልቲኡ ክልላት ነቲ ጉዳይ ተኸታቲሎም ፍታሕ ኣብ ክንዲ ዝገብርሉ ብሸለልትነት ይርእዎ ከም ዘለዉ
ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብሰንኩ ድማ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከባቢ ግጨው ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ብ13
ሓምለ 2007 ዓ/ም መነንቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቛት ሓደ ዜጋ ተቐቲሉ
ከም ዝተረኽበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ተቐቲሉ ዝተረኸበ ወገን ተወላዲ ክልል ትግራይ እንትኾን ነዚ ኩነታት ተኸታቲሉ ዘፃሪ ኣካል ከም ዘየለ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እዚ ድማ ሰበ ስልጣን
ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ክልቲኡ ብሄር ኣብ ግጭት ክነብርን ሓድነት
ክይፈጥርን ፃዕርታት ብምፍጣር ዕደመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝጥቀሙሉ ዝፀነሐ ሜላ እዩ ክብሉ ብዙሓት ወገናት ይገልፁ።