Sunday, September 6, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝርከባ 3ተ ወረዳታት ዝነብሩ ኣማሓደርትን ወኪላት ህዝብን ብዛዕባ መሬት ዝምልከት ኣኼባ ከም ዘካየዱ ተገሊፁ።



    ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣብ  ወረዳታት መተማ ፤ሳንጃን ጭልጋን  ዝርከቡ ኣማሓደርት፤ ናይ ምልሻ ኮማንደራትን ልዕሊ 40 ዝኾኑ ናይ ህዝቢ ወኪላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ብ24 ነሓሰ 2007 ዓ/ም  ኣኼባ  ከም ዘተካየዱ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣጀንዳ ናይ'ቲ ኣኼባ ድማ ካብ ስርዓት ኢህወዴግ እንረኽቦ ለውጢ የለን፤ መሬትና ባዕልና ከነማሓድር ኣለና፤ መሬትና ኣሕሊፍና ኣይንህብን ዝብሉን ካልኦት ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ።
       ኣብ’ቲ ኣኼባ ካብ ዝተሳተፉ ኣካላት እቲ ስርዓት ዝኾኑ ገለ ኣስማት ንምጥቃስ ናይ ወረዳ  ሳንጃ ኮማንደር እንዳርጋቸው ኣለሙን ካልኦትን ዝርከብዎም ከም ዝተሳተፉ ድሕሪ ምግላፅ በዚ ኩነታት ዝሰግኡ ገለ ካድረታት እቲ ስርዓት ድማ ኣብዚ ኣኼባ  ፀረ መንግስቲ ኣድማ ዘለዓዕሉ ዘለዉ ልኡዃት ሃርበኛ ሰሊኾም ስለ ዝኣተዉ  እዮም ክብሉ ከም ዝተሰምዑ ኣብቲ ዕለት ንሱ ድማ ኣብ ከተማ  መቐለ ጉባኤ ኢህወዴግ ይካየድ ምንባሩ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።